ተሰጊኡ ዘሎ ኲናት ኢትዮጵያን ኤርትራን ቅድሚ ምጅማሩ ደው ክብል ክልተ ዓበይቲ ዲፕሎማሰኛታት ሓቲቶም። (ጸብጻብ)

SBS Tigrinya Homeland Report

Credit: Timon Reinhard/Unsplash

ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ኣስጋኢ ኮይኑ ዘሎ ኲናት ኢትዮጵያን ኤርትራን ቅድሚ ምጅማሩ ደው ክብል ክልተ ዓበይቲ ዲፕሎማሰኛታት ሓቲቶም። ኤርትራ ንመግለጺ ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ ነጺጋ። ፕረዝዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምስ ኣምሳደራት ዝተፈላለዩ ሃገራት ምዕራባውያን ዘትዮም ። ብዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ክፋል ህወሓት ማእኸላይ መንግስቲ ናብ ትግራይ ክኣቱ ዝቐረበ ጻውዒት ተቓዊሙ። ሰለስተ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ትግራይ ነቲ ኣብ ከቢድ ጸቕጢ ዝርከብ ግዝያዊ ምምሕዳር ከምዝድግፉ ኣፍሊጦም።



Share