ኣብ ዙርያ መቐለ ተዋጊኡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ስለዝተዳኸመ ቀንዲ ውግእና ምስ ሰራዊት ኤርትራ'ዩ ዘሎ - ኣፈኛ ህወሓት

World Australia

Source: SBS

ጸብጻባት ዜና (03/12/2020) * መግለጺ ወሃቢ ቃል 'ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ' (** ክቡራት ሰማዕትና መንግስቲ ኤርትራን ኢትይጵያን ኤርትራ ኣብ'ዚ ኲናት ኣይኣተወትን ኢሎም ቅድሚ ሕጂ ገሊጾም'ዮም። ወሃብ ቃል ገብረ ገብረጻድቕ ዝበሎ ኸኣ ብኻልእ ነጻ ዝኾነ ኣካል ክረጋገጽ ኣይተኻእለን።) * ኣብ ኣርባዕተ መዓስከራት ስደተኛታት ዝርከቡ ዜጋታት መግቢ ስለዝወድኡ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሻቕሎት ኣትዩ፡ * 38 ኣባላት ህወሓት ተታሒዞም ዝብል ዜና ጌጋ ምዃኑ ፖሊስ ፌደራል ፍለጡለይ ኢሉ * ሕብረት ኣውሮጳ ኢትዮጵያ ንሓደ ዓመት ምስ እተውጽኦ በጀት ዝመዓራረ ኣብ ውሽጢ ሸውዓተ ዓመታት ክሕግዛ ወጢኑዎ ዝነበረ ገንዘብ ደው ከብሎ ከም ዝሓሰበ ሓቢሩ



Share