ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ንዘሎ ገደብ ሓሳብካ ምግላጽ ስክፍታ ቀሪቡ፡ ኤርትራ ድማ ብናጽነት ፕረስ ፡ ካብ 180 ሃገራት ኣብ መወዳእታ ተሰሪዓ።

Credit: Timon Reinhard/Unsplash
ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ህወሓት ከም ብሓዱሽ ምዝገባ ኮኒኑ ፤ ሕጋዊ ሰብነቱን ክምለስ ጸዊዑ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝመደበሮም 14 ኤምባሲታት፣ ኣብ ኢትዮጵያ ንዘሎ ገደብ ሓሳብካ ምግላጽ ስክፍታኦም ገሊጾም። ኤርትራ፡ ብወገና ብናጽነት ፕረስ ዓመተ 2025፡ ካብ 180 ሃገራት ኣብ መወዳእታ ተሰሪዓ ኣላ። ሓይልታት ወሃቢ ህጹጽ ደገፍ ኣብ ምብራቕ ሱዳን መጥቃዕቲ ኣካይዶም። ዕጡቓት ደቡብ ሱዳን፡ ሉኡላዊ ግዛኣት ኢትዮጵያ ምጥሓሶም ተገሊጹ።
Share