ጽገ ዱጉማን በሪሁ ኣረጋውን ኣብ ሻንግሃይ ተዓዊቶም፣ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ሽቶ ኣመዝጊቡ ጋንትኡ ማዕረ ክትወጽእ ሓጊዙ፣

SBS Sport Tigrinya Logo.jpg

Credit: SBS

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (05/05/2025) * ኢትዮጵያዊ ጥላሁን ንጉሰ ሓድሽ ክብረወሰን ናይ’ቲ ውራይ ብምምዝጋብ ተዓዋቲ ማራቶን ቤልፋስት ኮይኑ፡ * ጽገ ዱጉማን በሪሁ ኣረጋውን ኣብ ውድድራት ኣልማዛዊ ሊግ ሻንግሃይ 2025 ዝድነቕ ዓወታት ኣመዝጊቦም፣ * ሓያሎ ኤርትራዊያን ተቐዳደምቲ ዝተሳተፍዎ ቅድድም ብሽግለታ ቱርኪየ ሰንበት ተዛዚሙ፣ * ኣማኑኤል ገ/ሄር ድማ ናይ ዙር ሮማንዲ ተሳትፎኡ ኣጠናቒቑ፡ * ኣርሰናል ኣብ ቀዳማይ እግሪ ግጥም ቻምፒዮንስ ሊግ ኣብ ሜድኦም ስዕረት ድሕሪ ምስካሞም ወሳኒ ካልኣይ እግሪ ግጥም ኣብ ፓሪስ ይጽበዮም፣ * ኣብ ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ሊቨርፑል ሻምፒዮን ምዃና ካብ ተረጋግጽ ንደሓር ናይ ፈለማያ ስዕረት ኣብ ኢድ ቸልሲ ተሰኪማ፣ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ሽቶ ኣመዝጊቡ ኒውካስትል ዩናይትድ ናይ ራብዓይ ተርታ ቦትኣ ከተደልድል ሓጊዙ፣



Share