ኣብ ቅልውላው ትግራይ ገበናዊ ወይ ሕጋዊ ተሓታቲ ረኺብካ ናብ ሕጊ ምቕራብ ክሳብ ክንደይ ዝተሓላለኸ’ዩ ክኸውን፧ መልሲ ካብ ዶ/ር ዳንኤል ረዘነ

Source: YouTube
ብውሑዱ ኣርባዕተ ሓይልታት ኣብ ኲናት ኣብ ዝሳተፍሉ ቅልውላው ትግራይ ገበናዊ ወይ ሕጋዊ ተሓታቲ ረኺብካ ናብ ሕጊ ምቕራብ ክሳብ ክንደይ ዝተሓላለኸ’ዩ፧ ፍርዲ ብማሕበራዊ ሓፋሽን መድያን ንቤት ፍርዲ ዝኸውን መርትዖን ከመይ ይቃደው፧ ንሓለዋ መሰል ስደተኛታትን ሰላማዊ ህዝብን ኣብ ግዜ ኲናት ዝምልከቱ ሕግታት ኣየኖት እዮም፧ ኩነታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ድሕሪ ደጊም ብፍሉይ ክተሓዝ ተኽእሎ ኣሎ ድዩ፧ ተራ ላዕለዋይ ወኪል ስደተኛታት ኣብ’ዚ ቅልውላው እንታይ’ዩ፧ እዞም ዝወጹ ዘለው ኣስካሕካሒ ቪድዮታት ቅትለት ክሳብ ክንደይ ከም መርትዖ ንፍርዲ ይቐርቡ፧ ቃለ መሕትት ምስ ዶክተር ዳንኤል ረዘነ መኮነን ክኢላ ሕግታት ሰብኣዊ መሰላትን ተጣባቕን
Share