ወናኒት ክብረወሰን ዓለም 5000ሜ ለተሰንበት ግደይ ብምኽንያት ኲናት ኣብ ትግራይ ኣብ ፍርቂ ማራቶን ቫለንስያ ከይተሳተፈት ተሪፋ

Letesenbet Gidey Source: Wikipedia
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (7/12/2020) * ወናኒት ክብረወሰን ዓለም 5000ሜ ለተሰንበት ግደይ ብምኽንያት ኲናት ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ’ቲ ሰንበት ዝተኻየደ ውድድር ጉያ እግሪ ፍርቂ ማራቶን ቫለንስያ ከይተሳተፈት ተሪፋ፡ * ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ናትናኤል ተስፋጽዮን ምስ ኢጣልያዊ ጋንታ ኣንድሮኒ-ጂያካቶሊ ተጸምቢሩ ናይ ክልተ ዓመት ውዕል ተፈራሪሙ፡ * ኣንበብቲ መጽሄት ‘ኣትለቲክስ ዊክሊ’ ናይ ዝሓለፉ ሰብዓን ሓሙሽተን ዓመታት ጃማይካዊ ዩሰይን ቦልትን ኢትዮጵያዊት ጥሩነሽ ዲባባን ዝበለጹ ኣትሌታት ክብሉ መሪጾሞም፡ * ማራዶና ኣብ ዋንጫ ዓለም ሜክሲኮ ንብዙሓት ተጻወቲ ኣሽኪዑ ኣንጻር እንግሊዝ ዘመዝገባ ሽቶ ዘሐብን ዳንነት ዘርኣኹላ’ያ ክብል ማእከላይ ዳኛ ዝነበረ ቱኒዝያዊ ኣብ ተዘክሮኡ ገሊጹ
Share