ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (27 መጋቢት 2025)

ንሎሚ ሓሙስ 27 መጋቢት 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ህወሓት ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ንግዝያዊ ፕረዚደነት ትግራይ ዝኸውን ሰብ ንምርቋሕ ንዘቕረቦ ፃውዒት ተቓዊሙ። ጕጅለ ኤርትራውያን ምሁራት፡ ንጠለብ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳያት ቀይሕ ባሕሪ ነጺግዎ መንግስቲ ኤርትራ ምስ መንግስታት ግብጽን ዖማንን ዲፕሎማስያዊ ርክባት ኣካይዱ። ብርጌድ ንሓመዱ ብኣኽበርቲ ሕጊ ጀርመን 'ውሽጣዊ ግብረሽበራዊ ውድብ' ተባሂሉ ብዛዕባ፡ ካብ ስርቂ ምሕላው፡ ኣብ ኣውስትራሊያ ስርቅን ምጥፍፋእን ምርዳእ። ዝድህስስ ትሕዝቶ ኣብ ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ክቐርብ እዩ። ቃለ መሕትት’ውን ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ፡ መንግስቱ ፡ ብዝሒ ብስደት ዝ ኣቱ ሰብ ኣመና ኺዛይድ ከም ዝፈቐደ ንዚቐርበሉ ዘሎ ክሲ ነጺግዎ ። ሞስኮን ዋሽንግተንን ዲፕሎማሲያዊ ተልእኾታት ናብ ንቡር ንምምላስ ዝዓለመ ዝርርብ ንምክያድ ሰበ-ስልጣን ኣመሪካን ሩስያን ሎሚ ኣብ ኢስታንቡል ይራኸቡ ኣለው ። ኣብ ሰሜናዊ ጋዛ ዝነብሩ ፍልስጤማውያን ፡ ነቲ ምስ እስራኤል ዝግበር ውግእ ደው ከብሎ ብምጥላብ ፡ ንሓማስ ተቓዊሞኦም ኣስሚዖም። ሰራዊት ሱዳን ንኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ካርቱም ካብ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ (RSF) እንደገና ከምዝተቖጻጸረ ወተሃደራዊ ምንጭታት ሓቢሮም ።
Share