ሓጸርቲ ዜናታት ኢስ ቢ ኤስ ትግርኛ (29 ሚያዝያ 2025)

ሓይሊ ኤለክትሪክ ድሕሪ ምቁራጹ፡ ኣብ ሙርሽያ ፡ ስጳኛ 28 ሚያዝያ 2025 ፡ ጸልማት ን ጥርሑ ጐደና። ብመሰረት ሓበሬታ ሰበ-ስልጣን "ታ ሃገር ፡ ኣብ ሰፊሕ ክፋላት ስጳኛ ፡ ጎረቤት ፖርቱጋልን ፈረንሳን ኤለክትሪክ ድሕሪ ምቁራጹ ፡ ንስርዓተ መጓዓዝያ ፡ ኢንተርነትን መዓልታዊ ናብራን ኣሰናኺልዎ ኣሎ ። እቲ ጠንቂ ምቁራጽ ኤለክትሪክ ብልክዕ ኣይተፈልጠን ዘሎ።. EPA/MARCIAL GUILLEN Source: EFE / Marcial Guillen/EPA
ንሎሚ 29 ሚያዝያ 2025 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ኛ ኣርእስታት፡ ** ኣብ ዩክሬን ዝግበር ዘሎ ዉግእ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ተኹሲ ደው ክብል ፕረሲድንት ሩሲያ ቪላድሚር ፑቲን ኣዊጁ ... ** ኣብ የመን ዝርከቡ ዕጡቓት ሑቲ ፡ ኣብ ኣውራጃ ሳዓዳ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ዝነበርዎ ኣብ ሓደ ቤት-ማእሰርቲ ብ መጥቃዕቲ ኣየር ኣመሪካ ፡ ብውሕዱ 68 ሰባት ከም ዝቐተሉ ተፈሊጡ ። **ኣብ ስፔንን ፖርቱጋልን ሓይሊ ኤለክትሪክ ድሕሪ ምቁራጹ ፡ ባቡራት ፡ ሞባይልን ኢንተርነትን ተቛሪጹ ።
Share