ወጥሪ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብሰላማዊ መፍትሒ ክሃድእ ኣቦወንበር ህወሓት ጸዊዑ። (ጸብጻብ ልኡኽና)

Credit: Timon Reinhard/Unsplash
ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ወጥሪ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብሰላማዊ መፍትሒ ክሃድእ ኣቦወንበር ህወሓት ጸዊዑ። ብጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ህወሓት “ናብ ፓርቲነት" ዘሰጋግሩዎ መስርሓት ይዛዝም ከም ዘሎ ኣፍሊጡ። ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ምሁራትን ሰብ ሞያን ምስ ፕረዝደንት ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ከምዝተዛተየ ሓቢሩ ። ኣብ እስራኤል፡ ብቕትለት ክልተ ሰባት ዝጥርጠሩ ክልተ ኤርትራውያን፡ ኣብ ዶብ ተታሒዞም'። ሚንስተር ገንዘብ ኢትዮጵያ ኣህመድ ሺዴ ምስ ምክትል ማኔጂንግ ዳይሬክተር ኣይ ኤም ኤፍ ተዛቲዩ። ግብጽን ጅቡቲን፡ ብጉዳያት ምሕደራን ጸጥታን ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን ተሰማሚዐን'።
Share