ዓብዱልፋታሕ ኣሕመድ ብፖሊስ ድሕሪ ምቕታሉ፡ ኣፍሪቃውያን ነበርቲ መልበርን ቁጥዓኦም ንምግላጽ ሰልፊ ገይሮም።

Killing of African man.JPG

Credit: Dr Berhan

ብሓሙስ ምሸት ኣብ ምዕራብ መልበርን ኣብ ፉትስክረይ ሓደ ሰብ ብፖሊስ ተተኲስሉ ድሕሪ ምቕታሉ ፡ ብኣማእታት ዝቝጸሩ ሰባት ኣንጻር እቲ ቅትለት ሰላማዊ ሰልፊ ወጺኦም። ኣስታት 200 ዝዀኑ ሰባት ፡ ኣብ ኒከልሰን ስትሪት ኣብ ማእከል ፉትስክረይ ናይቲ ዝተቐትለ ዓብደልፋታሕ ኣሕመድ ስእሊ ሒዞም "ህይወት ጸሊም ይከበር" "Black Lives Matter"ዝብል ጭርሖታት ሒዞም ፡ ዝያዳ ናይ ኣእምሮ ጥዕና ደገፍ ክግበር ጸዊዖም ። ኣብቲ ኣጋጣሚ መደረ ካብ ዘስምዑ ዶ/ር ብርሃን ኣሕመድ እቲ ከባቢ ኣብ ክንዲ ብፖሊስ ናይ ኣእምሮ ናይ ጥዕና ሓገዝ ከም ዘድልዮ ገሊጹ ። ነቲ ዘጋጠመ ኩነታትን ኣፍሪቃውያን ዘጋጥሞም ዘሎ ጸገምን ኣብሪሁልና ኣሎ።



Share