ኤርትራዊ ናትናኤል ተስፋጽዮን ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ቲረኖ ኣድሪያቲኮ ንኡድ ምንቅስቓስ የርኢ፡ ምሕዝነታዊ ግጥም ማላዊ-ኢትዮጵያ ተሰሪዑ

Androni Giacattoli-Sidermec's Eritrean Natnael Tesfatsion

Androni-Sidermec's Eritrean rider Natnael Tesfatsion Source: @NATNAELTESFATS1

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (15/03/2021) * ሃብታም ቢልዮነር ደቡብ ኣፍሪቃዊ ፓትሪስ ሞትሰፐ ፕረዚደንት ኮንፈደረሽን ኩ’እግሪ ኣፍሪቃ ኮይኑ ከምዝተመርጸ ተፈሊጡ፡ * ፈደሬሽን ኩ’እግሪ ኢትዮጵያ ግጥማት ዋንጫ ብድሆ ሴካፋ ዓበይቲ 2021 ከአንግድ ዝቐረበሉ ሕቶ ከምዝተቐበሎ ኣፍሊጡ፡ * ማሕበር ኩ’እግሪ ማላዊ ዝመጽእ ሰሙን ምሕዝነታዊ ግጥም ኩ’እግሪ ኣንጻር ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከካይድ ምዃኑ ኣረጋጊጹ፡ * ቅድድም ብሽግለታ ትሬኖ-ኣድሪያቲኮ ዝሓለፈ 10 መጋቢት ጀሚሩ፡ ኤርትራዊ ናትናኤል ተስፋጽዮን ንኡድ ምንቅስቓስ ብምርኣይ ተሳፎኡ ይቕጽል ኣሎ፡ * ኮሮናቫይረስ ዓለማዊ ለበዳ ተባሂሉ ካብ ዝእወጅ ንደሓር ሓደ ዓመቱ ኣብ ዝገብረሉ ዘሎ እዋን መቐረት ግጥማት ኩ’እግሪ ብዘይተዓዘብቲ ክሳብ ክንደይ ተቐይሩ



Share