ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ው. ሕ. ሃ. - 'ሓይልታት ፈደራል ወተሃደራዊ ስርሒትና ወዲእና ኢና እንተበሉ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ግጭት ገና ኣይተወደአን'

Mekelle

Source: Britannica

ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (30/11/2020) * ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፊሊፖ ግራንዲ ፈደራል ሓይልታት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ወተሃደራዊ ስርሒትና ወዲእና ኢና እንተበሉ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ግጭት ካብ ምውዳእ ገና ከምዝኾነ ገሊጹ። * ዳግማይ ንኽምረጽ ዘካየዶ ፈተነ ካብ ዝፈሽል ንደሓር ኣብ ዘካየዶ ናይ ፈለማ ቃለመሕትት ኣብ ቴሌቪዥን፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ብጆ ባይደን ተሳዒረ ኢለ ኣይኣምነሉን’የ፡ * ቀዳማይ ሚኒስተር አውስራልያ ስኮት ሞሪሰን ቻይና ናይ ሓሶት ምስሊ ናይ ሓደ ወተሃደር አውስትራልያ ስለዝጠቅዐት ‘አዝዩ ከሕፍራ አለዎ’ ክብል ገሊጹ። * ፈደራል መንግስቲ ኣውስትራልያ ዝበዝሑ ናይ መጻምድቲ ቪዛ ኣመልከትቲ ዝኾኑ 4000 ሰባት ካብ’ዚ ተኣታትዩ ዘሎ ግዝያዊ ለውጢ ኣብ መደባት ቪዛ ንስድራቤታት ተጠቀምቲ ክኾኑ’ዮም ኢሉ።



Share