መንእሰይ ኮንካ ብፍላይ ካብ መራሕትና ስፖርትን ፖለቲካን ክተሓዋወሱ የብሎምን ዝብል ዓጀውጀው ትሰምዕ፡ እዚ ግን ሓሶት’ዩ

Source: SBS
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (25/01/2021) * ኢትዮጵያዊት ሊድያ ታፈሰ ኣብ ታሪኽ ኣፍሪቃ ቀዳመይቲ ዝለዓለ ግጥም ኩ’እግሪ ደቂተባዕትዮ ኮንፈደረሽን ኩ’እግሪ ኣፍሪቃ ኣብ ማእከል ዝዳነየት ጓለንስተይቲ ብምዃን ኣብ መዝገብ ታሪኽ ሰፊራ፡ * ኤርትራዊ ኮኾብ መርሃዊ ቅዱስ ዝኣባላ ጋንታ ቅድድም ብሽግለታ ኣስታና ፕሮቴክን ካልኦት ጋንታታትን ኣብ’ዚ ዓመት ተቐዳደምተን ዝወዳደሩለን ዝተፈላለዩ ውራያት ኣፍሊጠን፡ * ዓመት መጸ ጥሪ 26 መዓልቲ ኣውስትራልያ ተሰምያ ኣብ እትበዓለሉ ኣትሌታትን ግጥማትን ስፖርታት ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ትርጉም ናይ’ታ መዓልቲ ምስ መራሕቲ ፖለቲካ’ታ ሃገር ይካትዑን ይሰሓሓቡን
Share