ኣጥቃዕቲ ኢትዮጵያ ብቕዓቶም ዘመስከርሉ ምሕዝነታዊ ግጥም ኣንጻር ማላዊ፡ ስሙ ዝገንን ዘሎ ኮኾብ ተቐዳዳማይ ብሽግለታ ናትናኤል ተስፋጽዮን

Source: YouTube
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (22/03/2021) * ዝሓለፈ ሮቡዕ ኣብ ከተማ ባህር ዳር ኢትዮጵያ ኣንጻር ማላዊ ኣብ ዘካየደቶ ምሕዝነታዊ ግጥም ብገፊሕ 4-0 ተዓዊታ፡ * ፈደረሽን ኣትለቲክስ ኢትዮጵያ መጻረዪ ውድድራት መስመር ጉያን ሜዳን ንኦሎምፒክስ ቶክዮ ዝመጽእ ወርሒ ሰነ ኣብ ከተማ ሀንገሎ፡ ነዘርላንድስ፡ ከካይድ ምዃኑ ኣፍሊጡ፡ * ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ትሬኖ-ኣድሪያቲኮ ኤርትራዊ ናትናኤል ተስፋጽዮን ንኡድ ምንቅስቓስ ብምርኣይ ተሳፎኡ ክዛዝም እንከሎ ናትናኤል ብርሃነን መርሃዊ ቅዱስን ከኣ ኣብ ቮልታ ኣ ካታሎንያ ክወዳደሩ’ዮም፡ * መርበብ ሓበሬታ ዩሮስፖርት.ኮም ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ናትናኤል ተስፋጽዮን መን’ዩ ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘ ብዛዕባ’ዚ ስሙ እናገነነ ዝኸይድ ዘሎ ሻምፒዮን ቅ/ብ ዙር ሩዋንዳ ሓደ ዓምዲ ወጺኡ
Share