ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ብዲኤስቲቪ ብቐጥታ ናብ ተዓዘብቲ ኣፍሪቃ ክመሓለለፉ ጀሚሮም

Tokyo Olympics rings Source: AAP
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (14/12/2020) * ግጥማት ሻምፒዮና ኩዕሶ እግሪ ሴካፋ መንእሰያት ት17 2020/21 ሰንበት ኣብ ሩዋንዳ ተጀሚሮም፡ ኣብ መኽፈቲ ግጥም ኢትዮጵያን ኬንያን 2-2 ማዕረ ተፈላልየን፡ * ኤርትራዊ ሽወደናዊ ኣሌክሳንደር ኢሳቕን ጋንቱ ሪያል ሶሰይዳድን ኣብ ግጥማት ላሊጋ ጋንታታት ስፐይን መሪሕነት ደጊሞም ተረኪቦም፡ * ብሓድሽ መዋሊ ቤትኪንግ ዝተሰየመ ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ (ቤትኪንግ ኢትዮጵያን ፕሪምየርሊግ 2020/21) ብዲኤስቲቪ ብቐጥታ ብቴሌቪዥን እናተመሓላለፈ ቀዳማይ ዙር ግጥማት ብምክያድ ተጀሚሩ፡ * ኣቦ ወንበር ኣትለቲክስ ዓለም ሰባስትያን ኮ ኣትሌታት ኣብ መስርዕ ምሃብ ክታበት ቦትኦም ክወሃቦም ወይ ተራ ክሕዙ ይግባእ ክብል ገሊጹ፡
Share