ብደረጃ ኣመሪካ ንኽትሽለም ተሓጽያ ዘላ ከሻኒት ኣልጋነሽ ሚካኤልን ትሰርሖ ስራሕን።

ኣልጋነሽ ሚካኤል Credit: Supplied
ወ/ሮ ኣልጋነሽ ሚካኤል ነቲ ናይ መግቢ ምቕራብ ስራሕ (catering) ፡ ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ-19 እያ ጀሚራቶ ። ንሳ ናይ ሓበሻ መግቢ ብመልክዕ pop-up ን ናይ ምኽሻን ትምህርቲ ንሓያሎ ዓመታት ከተቕርብ ጸኒሓ እያ። ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ፡ እታ ቤት መግቢ ዘይብላ ኤርትራዊት ኣመሪካዊት ኣልጋነሽ ፡ ናይቲ ብሃገር ደረጃ ዝወሃብ ክቡር ስልማት "James Beard Award" ካብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኣመሪካ ኣብ ፍርቂ ፍጻመ በጺሓ ኣላ። ተሞክሮኣ ኣካፊላትና ኣላ።
Share