ኣብ ኣውስትራልያ ንፈለማ ግዜ ኣብ ግዝኣት ሳውዝ ኣውስትራልያ ክታበት ኣስትራዘነካ ምሃብ ተጀሚሩ

Source: AAP
ፕሪምየር ግዝኣት ሳውዝ ኣውስትራልያ ስቲቨን ማርሻል ዝሓለፈት ዓርቢ ኣብ ምዝርጋሕ ክታበት ኣብ ኣውስትራልያ ታሪኻዊት መዓልቲ ኮይና ክትዝከር’ያ ኢሉ... ኣብ ቅድመ ግንባር ዝተዋፈሩ ሰራሕተኛታት ጥዕና ኣብ ማሪ ብሪጅ፡ ምብራቕ ከተማ ኣደለይድ፡ ኣብ ኣውስትራልያ ፈላማይ ዝኾነ ክታበታት ኣስትራዘነካ ድሕሪ ምቕባሎም። ሓካይም ቤተሰብ ከኣ ኣብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት ክታበታት ኮሮናቫይረስ ክቕበሉ እዮም።
Share