ኢትዮጵያ ዝበዝሐ ካብ ትግራይ ምዃኑ ብዝተነግረሉ ወርቂ ልዕሊ 2 ቢልዮን ዶላር ኣሜሪካ ብሸርፊ ወፃኢ ከም ዝረኸበት ኣፍሊጣ። (ጸብጻብ)

SBS Tigrinya Homeland Report

Credit: Timon Reinhard/Unsplash

ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ፀገማት ብሰላማዊን ፖለቲካዊን መገዲ ጥራሕ ክፍታሕ ኣለዎ ክብል ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ገሊጹ። ኢትዮጵያ ዝበዝሐ ካብ ትግራይ ምዃኑ ብዝተነግረሉ ወርቂ ልዕሊ 2 ቢልዮን ዶላር ኣሜሪካ ብሸርፊ ወፃኢ ከም ዝረኸበት ኣፍሊጣ። ፈስቲቫል ኮለጅ ስነ-ፍልጠት ማይ-ነፍሒ ተዛዚሙ። ሞያ ጥዕና ኢትዮጵያ፡ መንግስቲ ንሕቶኦም ምላሽ እንተዘይረኺቡ ክሳዕ ምቍራጽ ስራሕ ዝበጽሕ ኣድማ ክገብሩ ምዃኖም ገሊጾም። ርእሰ ከተማ ሶማልያ ሞቓድሾ ብዘጋጠመ ውሕጅ ብውሕዱ 7 ሰባት ከምዝሞቱ ሰብመዚ እቲ ከባቢ ኣፍሊጦም። ኣብ ሱዳን ሃገራዊ ሰራዊት ኣብ ዝቆጻጸሮ ቤት ማእሰርቲ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ነፈርቲ 19 ሰባት ተቐቲሎም። ጀርመን ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ኤውሮጳ ዝሰገሩ 19 ሓተቲ ዑቕባ ዝርከብዎም ሓያሎ ስደተኛታት ንድሕሪት መሊሳቶም።



Share