ካብ ፕሮስቴት ካንሰር ንምድሓን ኣቐዲምካ መርመራ ምግባር፡

Credit: SBS
ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ካንሰር ፕሮስቴት እቲ ዝልዓለ ልሙድ ናይ ካንሰር ሕማም እዩ ፡ ኣቐዲምካ እንተተመርሚርካ ግን ብተዛማዲ ንምፍዋሱ ቀሊል እዩ ። ካብ ባህሊን ቋንቋን እተፈልየ ድሕረ-ባይታ ዘለዎም ሰባት ግን ካብ ካልኦት ኣውስትራሊያዊያን ንላዕሊ ብፕሮስቴት ካንሰር ክሓሙ ዝተቓልዑ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ። ብመሰረት እቲ ናይ ቪክቶርያ ሞናሽ ሩራል ሄልዝ ዝገበሮ ሓድሽ ምርምር እቶም ኣብ ካልእ ሃገር እተወልዱ ሰባት ፡ ኣብቲ ኣብ መባእታ ናይቲ ሕማም ኣገዳሲ ናይ ምርኣይ ኣጋጣሚኦም ክሓልፎም ይኽእሉ እዮም ።
Share