ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (06 መጋቢት 2025)

World - Tigrinya.jpg

ንሎሚ ሓሙስ 06 መጋቢት 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ዕዉት መጥባሕቲ ዓይኒ ኣብ ሆስፒታል ናቕፋ ከም ዝተኻየደ ተገሊጹ። ትካል መዕቆብን መድሕንን ጉዱኣት ኣካል ኵናት ትግራይ 54 በዓል 3 እግሪ ናይ ኤለክትሪክ ሞተራት ንሓርበኛታት ጉድኣት ኲናት ተጋደልቲ ብሓገዝ ኣበርኪቱ። ወከልቲ ሰራዊት ትግራይ ናብ ቤት ምኽሪ ክኣትው ጊዚያዊ ቤት ምኽሪ ትግራይ ዳግማይ ፀዊዑ። ኣብ ክልል ኣምሓራ - ንሰደድ ሰሊጥ ዝጸዓና መካይን ብዘጋጠመ መጥቃዕቲ ህይወት ሰባት ጠፊኡ ግዳይ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝኾነ ፋብሪካ ሽኮር ከሰም ትካሉ ይዓጹ፡ ኣሽሓት ሰራሕተኛታት የፋኑ ከምዘሎ ተገሊጹ። ኣብ ማእከላይ ባሕሪ፡ ኣብ ኣፍ ሞት ዝጸንሑ ስደተኛታት ረዳኢት መርከብ ረኺቦም። ኣውስትራሊያዊያን ኣብዚ ዓመት ናይ ፈደራል ወከልቶም ክመርጹ እዮም ምስዚ ዝተሓሓዝ ኣብ ምርጫ ድምጺ ንምሃብ ብኸመይ ትምዝገብ፧፡ ዝድህስስ ትሕዝቶ ኣብ ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ክቐርብ እዩ። ኣርእስታት ዜና፥ ትሮፒካል ሳይክሎን ኣልፍረድ ዓርቢ ናብ መሬት ክበጽሕ ትጽቢት ከምዝግበር ቢሮ ሜትሮሎጂ ኣፍሊጡ ። ፕሬዝዳንት ፈረንሳይ እታ ኣህጉር ካብ ናይ ሩስያ ስግኣት ንምክልኻል ፈረንሳይ ኒኩሌራዊ መከላኸሊ ክትጥቀም ዝብል ሓሳብ ምስ መሻርኽቲ ሃገራት ኣውሮፓ ከምዝዘራረብ ገሊጹ ። ናይ ኣውስትራሊያ ግኑን ተጻዋቲ ክሪኬት ስቲቭ ስሚዝ ምጽዋት ደው ከምዘበለ ኣፍሊጡ።



Share