"ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝውላዕ ኲናት ኣብ ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ከቢድ ሳዕቤናት ከህልዎ'ዩ።" ሌ/ጀ ጻድቃን።

Source: SBS
ንሎሚ 11 መጋቢት 2025 ዝተዳለወ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ አርእስታት፡ ** ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ሶርያ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ልዕሊ 800 ሰላማውያን ሰባት ድሕሪ ምቕታሎም ፡ ኣውስትራሊያ ደገፍ ክትገብር ማሕበረሰብ ሶርያዊያን-ኣውስትራልያውያን ጸዊዑ። ** ኤምባሲ ሩስያ ኣብ ኣውስትራሊያ ኣብ ዘውጽ ኦ መግለጺ መንግስቲ ኣውስትራሊያ ዓቃብ ሰላም ናብ ዩክረይን እንተሰዲዱ "ከቢድ ሳዕቤን" ክህሉ' ዩ "ክብል ኣጠንቂቑ ። ** ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ንገለ "ዕግርግር" ኣብ ምፍጣር ኢድ ኣለዎም ዝበሎም ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይ ኣጊዱ።
Share