ቶክዮ ማራቶን ብዓወት ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ተዛዚሙ፣ ቢንያም ግርማይን ጋንትኡን ዜና ካልኣይ ውላዱ ንደገፍቱ ኣበሲሮም፣

Credit: SBS
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ኤስቢኤስ ትግርኛ (03032025)! * ማራቶን ቶክዮ 2025 ሰንበት ተኻይዱ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብዓብላሊ ተዓዊቶም፡ * ቀዳማይ ዙርያ መጻረዪ ግጥማት ንዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ደቀንስትዮ ሞሮኮ 2026 ኢትዮጵያ ዘደንቕ ውጽኢት ብምምዝጋብ ካብ'ተን ዝሓለፋ ኮይና፡ * ቢንያም ግርማይ በዓልቲ ቤቱ ካልኣይ ቆልዓ ከምዝወለደት ኣበሲሩ፡ ምስ ስድርኡ ክኸውን ድማ ቅድድማቱ ኣቋሪጹ ናብ ኤርትራ ተመሊሱ፡ * ዙር ሩዋንዳ ሻብዓይን ናይ መወዳእታ መድረኽ ቅድድሙ ብምኽንያት ሕማቕ ኩነታት ኣየር ብምስራዙ ኣዘራራቢ ኮይኑ፣ * ማንቸስተር ዩናይትድን ኒውካስትል ዩናይትድ ናይ ኣሌክሳንደር ኢሳቕን ካብ ግጥማት ዋንጫ ኤፍኤ ካፕ ተገሊፎም፣
Share