ሊቨርፑል ብ15 ነጥቢ ተፈልያ ሻምፒዮን ፕሪምየር ሊግ ክትከውን ትምርሽ፣ ናሆም ዘርኣይ ኣብ ትሮፊዮ ተቐዳዲሙ፣

SBS Sport Tigrinya Logo.jpg

Credit: SBS

ሰሙናዊ መደብ ኤስቢኤስ ትግርኛ (10032025) * ማራቶን ናጎያ ሰንበት ተኻይዱ ኬንያውያን ኣትሌታት ብዓብላሊ ተዓዊቶም፡ * ቅድድም ብሽግለታ ፓሪስ-ኒስ ሰንበት ተጀሚሩ፡ ኣብ ቅድድም ስትራደ ቢያንከ ድማ ናትናኤል ተስፋጽዮን ተሳቲፉ፣ * ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ቀዳመ ሰንበት መበል 28 ዙርያ ግጥማቱ ኣካይዱ ኣርሰናል ንሳልሳይ ተኸታታሊ ግዚኣ ሰንከልከል ብምባል ምስ ማንቸስተር ዩናይትድ ማዕረ ክትወጽእ'ንከላ ብገፊሕ ነጥብታት ፍልልይ ኣብ ዝለዓለ ተርታ ትርከብ ሊቨርፑል ድማ ብቐሊሉ ተዓዊታ ሻምፒዮን ክተከውን እናቐረበት ትመጽእ ኣላ፣



Share