ኣብ እዋን ኮቪድ-19 ሓዳር ምስዝፈርስ (ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ)

Source: Getty Images
ሓዳር ንምጅማር ጽምብል መርዓ ኣብዝግበረሉ እዋን፡ ኣብቶም ተመራዓውቲ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ናይ ርሑቕን ቀረባን ዘመድን ካልኦት ቀረብን ዝፍጠር ሓጎስ መወዳእታ የብሉን፡ ብእኡ መጠን ሓዳር ክብተን’ከሎ ክንዮ ሓዘን ዝፈጥሮ ናይ ኣእምሮ ስንብራትን ቃንዛን መዐቀኒ የብሉን። ኣብዚ እዋን ለበዳ ቆልዑ ወሊዶም ዝነበሩሞ ዝተፈላለዩ፡ ንዝገበርዎ ቆልዓ ናይ ምእላይ ስምምዕ ክሳብ ክንደይ ከምዝጸልዎ ንምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን።
Share