ማሕበረሰብ ትግራይ ኣብ ቪክቶሪያ፡ ብምኽንያት ሞት ኪዳነ ከበደ ብሩ ኣብ እዋን ዕጽዋ መልበርን ኣብ ከቢድ ሓዘን ቀንዩ።

Source: Tigray SM
ነፍስሄር ኪዳነ ከበደ ብሩ፡ ሓደ ካብ ንጡፍ ኣባልን ካብ መራሕቲ ማሕበረሰብ ትግራይ ኣብ ቪክቶሪያ ዝነበረ፡ ብዝሓደሮ ሕማም መልበርን ኣብ ከቢድ ዕጽዋ እናሃለወት ብምማቱ፡ ኣብ እዋን ሕማሙ ብ ኣካል ከይዶም ምሕረት የውርደልካ ብዘይምባሎምን ኣብ ቀብሩ ብ ኣካል ብዘይምስታፎምን ሓዘኖም ድርብ ከምዝገብሮ መራሕቲ እቲ ማሕበረሰብ ገሊጾም ኣለዉ። ብተወሳኺ (ልጅ) ብርሃነ ኣብቲ ማሕበረሰብ ዝነበሮ ኣበርክቶ ገሊጾም ኣለዉ።
Share