ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (03 መጋቢት 2025)

SBS Tigrinya Newsflash

Source: SBS

ኣርእስታት ዜና፥ መንግስቲ እንግሊዝ ዓቕሚ ምክልኻል ዩክረይን ንምድጋፍ ናይ 4.57 ቢልዮን ዶላር (2.26 ቢልዮን ፓውንድ) ናይ ልቓሕ ስምምዕ ምስ መንግስቲ ዩኪሬን ከቲሙ ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ’ውን ኣውስትራሊያ ደገፋ ንዩክረይን ክትቅጽል ምዃና ኣፍሊጡ ። 800,000 ወለንተኛታት ትማሊ [2 መጋቢት] ጎሓፍ ንምእራይ ናብ ገማግም ባሕሪ: መናፈሻታት: ጐደናታትን ማያትን ኣውስትራልያ ተዋፊሮም ውዒሎም ። ኣብ ስፖርት ፡ ፕረዚደንት ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤስያ ኣውስትራልያ ናይ ትሕቲ 20 ዓመት ዋንጫ ኤስያ ምዕታራ ሓጎሱ ገሊጹ ።



Share