ኣብ መጻረዪ ግጥም ንዋንጫ ዓለም ኢትዮጵያ ንጂቡቲ 6-1 ስዒራታ፣ ኣሌክሳንደር ኢሳቕን ደቂ ጋንትኡን ኣብ ቅድሚ ኣሽሓት ደገፍቲ ኒው ካስትል ምረሻ ዓወት ኣካይዶም፣

SBS Sport Tigrinya Logo.jpg

Credit: SBS

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (31/03/2025) * ኤርትራዊ ኮኾብ ተቐዳዳማይ ቢንያም ግርማይ ኣብ ቅደድም ብሽግለታ ኸንት ዊቨለኸም ተሳቲፉ ሻብዓይ ወጺኡ፡ * ኣብ መጻረዪ ግጥማት ንዋንጫ ዓለም ፊፋ 2026 ኢትዮጵያ ንጂቡቲ ብገፊሕ 6-1 ብምስዓር ቀዳማይ ዓወታ ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ ዓመት ግጥማት ኣመዝጊባ፣ * ዓሰርተታት ኣሽሓት ደገፍቲ ኒውካስትል ዩናይትድ በዓል ኣሌክሳንደር ኢሳቕን ደቂጋንትኡን ዘመዝገብዎ ኣብ ዝሓለፉ 70 ዓመታት ቀዳማይ ጽዋዕ ናይ'ታ ጋንታ ንምብዓል ኣብ ጎደናታት ከተማ ኒውካስትል ተኣኪቦም፣ * ዝሓለፈ ቀዳመሰንበት ድሕሪ ዝተኻየዱ ግጥማት ርብዒ ፍጻመ ዋንጫ ኤፍኤ ካፕ ኖቲንግሃም ፎረስት ኣንጻር ማንቸስተር ሲቲ፡ ክሪስታል ፓላስ ድማ ኣንጻር ኣስቶንቪላ ኣብ ፍርቂ ፍጻመ ክራኸባ ምዃነን ተፈሊጡ፣



Share