ኣብ ጃማይካ ኣብ ዝተኻየደ ውድድራት ኣትለቲክስ ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ዲሪበ ወልተጂ ሻምፒዮን ኮይና፡ (ሰሙናዊ መደብ ስፖርት)
Credit: Beyene Weldegiorgis
ንሎሚ ዝተዳለወ ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ኤስቢኤስ ትግርኛ ካብ'ዚ ቀጺልና ከነቕርበልኩም ኢና፡ ፈለማ ግን ኣርእስታቱ፡ ኣብ ጃማይካ ኣብ ዝተኻየደ ውድድራት ኣትለቲክስ (ኪንግስተን ግራንድ ስላም ትራክ) ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ዲሪበ ወልተጂ ሻምፒዮን ኮይና፡ ኬንያውያን ኣትሌታት ኣብ ማራቶን ከተማ ኤልደሮት ኣንጻር ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ክወዳደሩ ዕድል ክረኽቡ'ዮም፡ ኣሰልጣኒ ኣርሰናል ሚከል ኣርቴታ ብተኸላኻላዩ በደል ተፈጺሙ ኢሉ ንኤቨርተን ፍጹም ቅላዕ መቕጻዕቲ ዝሃበ ውሳነ ዳኛ ከምዘይሰማማዓሉ ኣፍሊጡ፡ ንምብጻሕ ናብ ሩዋንዳ ዘተባብዕ መወዓውዒ 'Visit Rwanda' ኣብ ማልየአን ዘለወን ጋንታታት ኤውሮጳ ብሰንኪ ምትእትታው ሩዋንዳ ኣብ ደሞክራቲክ ሪፓብሊክ ኮንጎ ንግዳዊ ውዕለን ክስርዛ ካብ ደገፍቲ መጸዋዕታ ይቐርበለን ዝብሉ ንሎሚ ንምልከቶም ዜናታት'ዮም።
Share